ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ታሪኽ ሰሪሑ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ታሪኽ ሰሪሑ

ወዲ-21 ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ፍላንደርስ በልጂም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር መሮር ትሕቲ 23 ዓመት፡ ካልኣይ ኰይኑ ብምውጻኡ ንነብሱን ሃገሩን ኣብዚ ምድብ ንፈለማ ብሩር መዳልያ ዘግዘመ ተወዳዳሪ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ዓወት’ዚ ብደረጃ ኣፍሪቃ’ውን ናይ መጀመርያኡ ምዃኑ’ዩ።

ውድድር ክዛዛም ኣብ መራሒት ጕጅለ፡ ኣብ መበል 12 ተሰሪዑ ዝነበረ ቢንያም፡ ኣብ ሓጺር ርሕቀት፡ ብዘደንቕ ቅልጣፈ ንመወዳድርቱ ፈልዩ ክዕወት ምኽኣሉ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ብሽኽለታ ስሒቡ ኣሎ።

ኣብ 2018 ሻምፕዮን ውድድር ብሽክለታ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ (UCI) ንምጥርናፍ ኣብ 2018 ናብ ኤውሮጳ ዝሰገረ ቢንያም፡ ኣብዚ እዋን ምስ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማሸ ዋንትይ-ጎበ (Intermarché-Wanty-Gobert) ተጠርኒፉ’ዩ ዝወዳደር ዘሎ።