ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቱር ቱርኪ ሳልሳይ ብምኳን ተዓዊቱ

Your browser doesn’t support HTML5

ትማሊ ቀዳም ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ቱር ቱርኪ ኦስትራዊ ፍሊክስ ግሮስቻርተነር ቀዳማይ፡ ንጋንታ ዓረብ ኢማራትስ ዝወዳደር ኢጣልያዊ ቫሊሮ ኮንተ ካልኣይ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ጋንታ ኣስታና ድማ ሳልሳይ ብምዃን ተዓዊቶም ኣለው። ብቐዳም ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ’ቲ ውድድር ብሰንኪ በረድ ዝሓዘ ኩነታት ኣየር ብ5.5 ኪ.ሜ ዝጎደለ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። መርሃዊ ቅዱስ ብውሕሉል ነጥቢ’ውን ሳልሳይ ደረጃ ረኺቡ’ሎ።