ኤርትራን ኬንያን ሓባራዊ ስምምዕ መዝክር ፈሪመን

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራን ኬንያን ሓባራዊ ስምምዕ መዝክር ፈሪመን

ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ዓርቢ 9 ታሕሳስ 2022 ኣስመራ ዝኣተው ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ድሕሪ ዘካየድዎ ምይይጥ ኣብ ክልተኣዊ፡ዞባውን ጉዳያት: ኣብ ንግድን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ዘጠቓለለ ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር ፈሪሞም።

እቶም መራሕቲ ነቲ ዝተጀመረ ርክብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን፡ምትሕብባር ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐጻሊ ርክባት ከማዕብልዎ’ውን ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ድሕሪ’ቲ ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር፡ኣብ ኤርትራ ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ቀዳም 10 ታሕሳስ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።