ኤርትራን ኬንያን ሓባራዊ ስምምዕ መዝክር ፈሪመን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ዓርቢ 9 ታሕሳስ 2022 ኣስመራ ዝኣተው ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ድሕሪ ዘካየድዎ ምይይጥ ኣብ ክልተኣዊ፡ዞባውን ጉዳያት: ኣብ ንግድን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ዘጠቓለለ ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር ፈሪሞም።