ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኤርትራ ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘይተራእየን 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃና ኣፍሊጡ

ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ካብ ሎሚ 8 ግንቦት ጀሚረን ክኽፈታ ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ዞባ ማእከል ኣፍሊጡ'ሎ።

እተን ትካላት፡ ድኳናት መለዋወጢ ኣቑሕትን፡ ሻምብቆታት ማይን ከምኡ'ውን ንመካይንን ብሽክለታን ዝምልከታ'የን።

ብኻልእ ዜና ፥ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኤርትራ ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘይተራእየን 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃና ኣፍሊጡ። ኤርትራ ንዝሓለፈ 20 መዓልታት ሓዲሽ መልከፍቲ ኣይመዝገበትን።

ኣብ ኤርትራ ካብ መንጎ ዝተታሕዙ 39 ሰባት፡ እቶም 37 ሓውዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኤርትራ ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘይተራእየን 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃና ኣፍሊጡ