ኣብ ጃፓን ኣምባሳደር ኤርትራ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘለኣኾ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ኤርትራ ነቲ ህውከት ንምቕስቃስ ዝተገበረ ፈተነ ብጽኑዕ ትኹንኖ ኢሉ።እቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ንሰላም ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ንምህዋኽ ዝተገብረ ፈተነ ምኳኑ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣብቲ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ይገልጹ።
#Eritrea strongly condemns the attempt to incite violence, in today’s AA demonstration for peace, 1st of its kind in history of #Ethiopia
— Ambassador Estifanos (@AmbassadorEstif) June 23, 2018
ፖሊስ ኣብ ምጽራይ እቲ ኩነታት ከምዝረከብን ምርመረኡ ምስ ወደአ ሓበሬታ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝኸውን'ውን ቀ/ሚ አብይ ኣብቲ ብቴሌቭዥን ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም ኣለው።
"ብዝተሰነፈን ዝወደቐን ሓሳብ ደው ከምዘይንብል ከረጋግጸልኹም ይፈትው።"
ቀ/ሚ አብይ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከምዝወረደ ድሕሪ ምሕባር ምጽንናዕን ቅልጡፍ ሕውየትን ተመንዮም።
ድሕሪ'ቲ መጥቓዕቲ ሓለወቲ ቀ/ሚ ቀልጢፎም ናብ መኪነኦም ከምዝወሰድዎም ካብ ወኪልና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብቲ አደባባይ ዝነበረ ሰብ ግን ኣብ ክንዲ ምስንባድን ምሕዳምን "ንአብይ ዝትንክፍ የለን" እንዳበለ ናብቶም ቀ/ሚ ገጹ ከምዝወሓዘ ተሓቢሩ'ሎ።
ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብቲ መድረኽ ደይቦም ንቀ/ሚ እንዳጸውዑ የመጉስዎም ኔሮም።
ቀ/ሚ አብይ ድሕሪ'ቲ ፍንጀራ ብቴሌቭዥን ንህዝቢ ኣብ ዝተዛረብሉ እዋን ኣብቲ አደባባይ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ማልያ ለቢሶም ኔሮም።
ቀ/ሚ መደረኦም ዛዚሞም ቦትኦም ምስ ሓዙ ኣወሃሃዲ መደብ ዝቕጽል መደብ ከፋልጥ ኣብ ዝጀመረሉ ህሞት'ዩ እቲ ፍንጀራ ተሰሚዑ።ኣብ ከባቢ'ቲ ፍንጀራ ዝበጽሓ ወኪልና ናይ ደም ነጠብጣብን ዝወደቐ አሳእንን ከምዝረአየን ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱ ከምዝተሓበሮን ነጊሩና አሎ።
ኣብዚ ሰዓት'ዚ እቲ ኩነታት ዝተረጋገአ ምዃኑን በብመዳዩ ንድጋፍ'ቲ ሰልፊ ዘንጸባርቑ ጭፈራታት ቀጺሉ ከምዘሎ ወኪልና ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።