ኤርትራ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ተቓኒዑ

ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ኤርትራ፡ “ንደቅና ሓምላይ መሬት ነውርሶም፡ ኣብ ትሕት ዝብል ቴማ፡ ሎሚ ረቡዕ 15 ግንቦት 2019 ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ተቓኒዑ`ሎ።

ኣብቲ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን፡ ወከልቲ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ወሲኽካ፡ 150 ሰባት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርህ፡ ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ጠንቂ ምብራስ ኣግራብ ኮይኑ ዘሎ በሊሕ ፋስ ዘይኮነስ፡ ጎዲም ኣተሓሳስብ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነዚ ንምፍታሕ ዘኽእል ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክምዕብል ኣተሕሳሲቡ።

ኣብ`ቲ ዋዕላ ብዞባታት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ማዕረ ምትካል ኣግራብ፡ ምብራስ ኣግራብውን ይርአ ስለዘሎ መግትኢ ክግበረሉ ፡ መተካእታ ኣማራጺ ጸዓት፡ ቆጣቢ ጸዓት፡ ከምኡ`ውን ትኪ ኣልቦ ጸዓት፡ ብሰፊሕ ክተኣታተው፡ ከምኡ ድማ ሞት እንስሳ ዘገዳም ይርአ ስለዘሎ ዕቱብ ምቁጽጻር ክግበረሉን ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰደሉን ዝብሉ ለበዋታት ቀሪቦም።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ተቓኒዑ