ኤምባሲ ኣመሪካ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ላዕለዋይ ስልጠና ይህብ

  • ዜና ቪኦኤ

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ፡ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ብምትሕብባር፡ ኣብ መዳያት ምሕደራ ዘተኰረ ስልጠና ይህብ ከም ዘሎ ካብ ኤምባሲ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር። እቲ ብኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመወለ ምስ ናይ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲታት ብምትሕብባር ዝተዋህበ ስልጠና ካብ 19 ዩኒቨርሲቲታት'ታ ሃገር ንዝተዋጽኡ ሰብ-ሞያ'ዩ ተዋሂቡ።

እቲ ድሮ ን27 ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሕ ዩኒቨርስታት ስልጠና ሂቡ ዘሎ መደብ፡ ምስ ናይ ኣመሪካ ቴክሳስ ቴክ፡ ኦሃዮ ስቴት ዩኒቨርስቲን ኦኮልሃማ ስቴት ዩኒቨርስቲን ዝወሃብ’ዩ።

ነዚ በብእብረኡ ዝቕጽል ስልጠና ብወገን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዑዎ ምህላዉ’ውን ካብቲ ኤምባሲ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።