ኣብ ከተማ ካቡል ንዝርከቡ ኣባላት ኤምባሲን ዒላማ ጣሊባን ክዀኑ ዝኽእሉ ኣፍጋናውያን ሰራሕተኛታትን ንምግዓዝ፡ ኣመሪካ ሰራዊት ትሰድድ ኣላ። ኣብዚ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ድሕነት ዝህቡ ቀዳሞት እብረ 3000 ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ህጹጽ ናይ ምግዓዝ መደብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ጣሊባን ንኣስታት ፍርቂ ርእሰ-ከተማታት ኣውራጃ’ታ ተቖጻጺሩ ኣሎ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንኻልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ካንዳሃር’ውን ሎሚ ዓርቢ ከም ዝሓዛ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዓዲ-እንግሊዝ ብወገና፡ ብኣገላልጻ ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል በን ዋላስ ኣብ መዝገብ “ውዱቓት ሃገራት” (ፈይልድ ስተት) ከይትኣቱ ኣብ እትፍራሕ ዘላ ኣፍጋኒስታን፡ ንዜጋታትን ተሓባብርቲን ውሕስቲ ስለ ዘይኰነት ንምውጻእ ትጓየ ኣላ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዜጋታት እንግሊዝን ኣስታት ክልተ-ሽሕ ዝበጽሑ ተሓባበርቲ ኣፍጋናውያንን ንምውጻእ 750 ሰራዊት ዝሓዘ ኣሃዱ ሰዲዳ ኣላ። ከም መቐጸልታ’ቲ ናይ ውሕስነት መደብ ከኣ ኤምባሲ ዓዲ-እንግሊዝ ናብ ዝንኣሰ ዓቕሚ ወሪዱ፡ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ስፍራ ኣብ ካልእ ክዉል ከባቢ ክግዕዝ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ዓዲ-እንግሊዝን ሰራዊት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶን) ጠቕሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ 20 ዓመት ይወጹሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ጣሊባን ዓበይቲ ዓወታት ይጓናጸፍ ምህላዉ ንብዙሓት ኣሻቒሉ ኣሎ።
ምስ ገስጋስ ሰራዊት ጣሊባን፡ በቲ ዝወሰዱዎ ስጕምቲ ተጣዒሶም እንተዀይኖም ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብሰሉስ ብጋዜጠኛታት ምስ ተሓተቱ፡ ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ስለ ዝርከቡ ከም ዘይጠዓሱ ሓቢሮም። “ነብሶም ክከላኸሉ ባዕላቶም ክቃለሱ’ዩ ዘለዎም፡” ኢሎም ፕረዚደንት ባይደን።