20 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት  ኣብ ወሰን ባሕሪ ቱኒዝያ ከምዝጠሓሉ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ፍይል

ብውሕዱ 20 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ወሰን ባሕሪ ቱኒዝያ ከምዝጠሓሉ ተገሊጹ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ምክልኻል ቱኒዝያ ከም ዝበሎ ነቲ ሬሳታት ዝረኸቡ ገፈፍቲ ዓሳ`ዮም። ካብታ ንዕኦም ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ሓሙሽተ ሰባት ብህይወት ምትራፎም`ውን እቲ ሓበረታ የመልክት።

እታ ጃልባ ቅድሚ ምጥሓላ ናብ ናይ ኢጣልያ ደሴት ላምፓዱሳ ገጻ ተምርሕ ምንባራ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ኣብዚ ዓመት`ዚ ኢጣልያ ካብ ዝኣትዉ ዘለዉ መብዛሕቲኦም ቱኒዛውያን`ዮም ዝብለ እቲ ምንጪ፥ ድሕሪኦም ባንግላደሻውያን- ቀጺሎም ድማ ካብ ኣይቮሪኮስት፣ ኣልጀርያ ፓኪስታንን ግብጽን`ዮም ኢሉ።