ኣፍሪቃ ንለውጢ ክሊማ ዝምልከት ስጉምቲ ክትወስድ ሕቶ ቐሪቡ

  • ገብረ ገብረመድህን

ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ

ኣፍሪቃ ንለውጢ ክሊማ ዝምልከት ስጉምቲ ክትወሰድ ሕቶ ምቕራቡ ፀብፃብ ኣሶሴትድ ፕረስ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ኮንፈረንስ ኩነታት ኣየር ኣፍሪቃ ዝሃብዎ መደረ ሃገራት ኣፍሪቃ ለውጢ ክሊማ ኣብ ልዕሊ ናይታ ኣህጉር ዓበይቲ ከተማታት ዝፈጠሮ ስግኣት ንምምካት ስትራተጂታት ከቕርቡ ኣለዎም ኢሎም።

ቦንጎ: ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ግብፂ ኣብ ዘካይዶ መበል 27 ዓመታዊ ዋዕላ ኩነታት ኣየር ሰበስልጣንን ክኢላታትን ኣፍሪቃ ዘቕርቡዎም ትሕዝቶታት ክዳለው ኣለው ኢሎም ።

ኣብ ዋና ከተማ ጋቦን ሊበር ቪላ ይካይድ ኣብ ዘሎ ሳልሳይ ዋዕላ ኩነታት ኣየር ኣፍሪቃ ልዕሊ 100 ሰበስልጣን መንግስትን ኣብቲ ጉዳይ ዝነጥፉ ዘተኣኻኸበ ነይሩ።ሓያል ግብረ መልሲ ኣብ ኩነታት ኣየር ኣፍሪቃ ንምሃብ ይሰርሑ ከምዘለውን ተሓቢሩ'ሎ።