ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረ. ትራምፕ መስርሕ ምርመራ ብወግዒ ክጅምር ሓቲተን

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናንሲ ፖለሲ

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናንሲ ፖለሲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ መዝነቶም ንምውራድ ዘኽእል ወግዓዊ መስርሕ ምርመራን ምእኻብ መርትዖታትን ክጅምር ሓቲተን።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናንሲ ፖለሲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2020 ዝኻየድ ምርጫ ዘካየድዎ ወፍሪ ምርጫ ሓገዝ መንግስቲ ወጻኢ ሃገራት ሓቲቶም’ዮም ንዝብል ክሲ ንምጽራይ ዘድልይ መስርሕ ምርመራ ክጅመር ሓቲተን።

ንሰን ፕረዚደንት ትራሞፕ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብዝምልከት ዝበጽሓን ሪፖርትን፡ እቲ ምምሕዳር ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ እቲ ናይ ምርመራ መስርሕ ክጅመር ምፍቓደን ሓቢረን ኣለዋ።

እቲ ብዲሞክራት ዝዕብለል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ትራምፕ ንወፍሪ ምርጫ 2020 ዲሞክራቲክ ተወዳዳሪ ጆ ባይደን ንምዕንቓፍ ሓገዝ ዩክሬን ሓቲቶም’ዮም ንዝብል ክሲ ምርመራ ከምዘካይድ ሓቢረን ኣለዋ።

እዚ ስጉምቲ ነታ ሃገር ዝያዳ ዝኸፋፍልን ንመደብ ዳግማይ ምምራጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ካልእ ኣንፈት ዝህብን’ዩ።