ዋሽንግተን —
ኣውፈርቲ(ኢንቨስተራት) ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ኣብ ዝነብሩሎም ከተማታት ኣመሪካ ንዝርከቡ ተመጣጣኒ ዋጋ ዘለዎም ኣባይቲ ብከመይ ዒላማ ይገብሩዎም ከምዘለው ዝምልከት እዩ።
ነባሪት ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝኾነት ወናኒት ገዛ ሻኒኳ ሮዝ ኣብ ከተማ ኦርላንዶ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ማሕበረሰባት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ፓራሞር ዝርከብ ገዝኣ ንምሻጥ ናብ ዕዳጋ ክተውፅኦ ፀኒሓ።"
ሮዛ "ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናተይ ገዛ ክዕድግ ካብ ዝደሊ ኣካል ካብ ተመሳሳሊ ቁፅሪ ስልኪ ሰለስተ ግዜ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ(ቴክስት) በፂሑኒ’’ትብል።ኣብ ማእኸላይ ፍሎሪዳ ዝዓበየት ንሳ ኣብ 2018 እያ ነቲ ገዛ ገዚኣቶ።
ከም ወናኒት ገዛ ሮዛ ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ውሑድ ቁፅሪ ካብ ዘለዎም ማሕበረሰባት ሓ"ንቲ እያ።
ንሳ ብምውሳኽ 10% ነበርቲ ጥራሕ እዮም ወነንቲ ገዛ’’ ትብል።’’ኣብዚ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ገዛውቲ እንተወሓደ 80% ኣባይቲ ብኣውፈርቲ (ኢንቨትሰራት) ዝውነኑ እዮም ክብል እኽእል’’ ትብል።