ኣከባብራ በዓል ትንሳኤ ኣብ ኤርትራ፤ መምርሒታት ኮቪድ-19 ኣብ ዝዘለቐሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ትማሊ ሰንበት 24 ሚያዝያ ኣብ ዝተኸብረ በዓል ትንሳኤ ምእመናን ክርስትና ንኹሉ ሃይማኖታዊ ስርዓተ ጾምን ጸሎትን ክሳተፍዎ ምኽኣሎም ከኣ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ትንሳኤ ፍሉይነት ከምዘለዎ መራሕቲ ሃይማኖት ክገልጹ ከለዉ፡ ነበርቲ ኣስመራ ብወገኖም ቀረብን ክብሪ ዋጋን ዕዳጋ ትንሳኤ፡ ዘይራኸብ ኰይኑ ከም ዝጸንሖም ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም።