ኣንፈት ጕዕዞ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝተዛብዐን ሳማንታ ፖወር ይገልጻ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይዳ ዘለዋ ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ኣብ ባይታ፡ ንትጽቢተን ዝጻረር ክውንነት ከም ዝጸንሐን ገሊጸን። እተን በዓልቲ-ስልጣን፡ “ሱዳን ኣብ ተኣፋፊ ግን ከኣ ተስፋ ዘለዎ ሓዲድ ደሞክራሲ” ክትርከብ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ግን “ብሰግለለት ደርቂን ውግእ ሕድሕድን ትሕመስ” ከም ዘላ ተዛሪበን።