አዲስ አበባ —
መንግስቲ ብሰንኪ ፖለቲካ ንዝተአሰሩ ዜጋታት ክፈትሖም ዘለዎ ብሓደ ጊዜ ብሓፈሻዊ ምሕረት ደአ እምበር በብተራ ኣይኮነን ክብሉ ዶ/ር መረራ ጉዲና ካብ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
ዶ/ር መረራ ብተወሳኺ ኣንፈት መንግስቲ ገና ንጹር ኣይኮነን’ውን ኢሎም ኣለው።
አባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ትማሊ ተፈቲሖም’ዮም፡ ናይቲ ውድብ አቦ መንበር ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ’ውን ክሶም ክቋረጽ ተገይሩ’ሎ።
ጉዳይ’ዞም አባላት ኣመራርሓ ግንቦት 7 ፍሉይ ዝኾነ ቅድሚ ሎሚ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ብምንባሩ ጥራይ ዘይኾነ ግንቦት 7 ምስ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ግንባር ነጻነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ብሓደ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብተግባር ግብረ ሽበራ ተመዲቦም ዝነበሩ ውድብ ብምኳኑ’ዩ።
Your browser doesn’t support HTML5