"ኣንፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ገና ንጹር ኣይኮነን" ዶ/ር መረራ ጉዲና

  • ዜና ቪኦኤ

መንግስቲ ብሰንኪ ፖለቲካ ንዝተአሰሩ ዜጋታት ክፈትሖም ዘለዎ ብሓደ ጊዜ ብሓፈሻዊ ምሕረት ደአ እምበር በብተራ ኣይኮነን ክብሉ ዶ/ር መረራ ጉዲና ካብ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ዶ/ር መረራ ብተወሳኺ ኣንፈት መንግስቲ ገና ንጹር ኣይኮነን’ውን ኢሎም ኣለው።

አባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ትማሊ ተፈቲሖም’ዮም፡ ናይቲ ውድብ አቦ መንበር ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ’ውን ክሶም ክቋረጽ ተገይሩ’ሎ።

ጉዳይ’ዞም አባላት ኣመራርሓ ግንቦት 7 ፍሉይ ዝኾነ ቅድሚ ሎሚ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ብምንባሩ ጥራይ ዘይኾነ ግንቦት 7 ምስ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ግንባር ነጻነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ብሓደ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብተግባር ግብረ ሽበራ ተመዲቦም ዝነበሩ ውድብ ብምኳኑ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

"ኣንፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ገና ንጹር ኣይኮነን’ውን" ዶ/ር መረራ ጉዲና