ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ዝርከብዎም 26 ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነት ዝነበሩ፡ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ተመስሪትዎም

Gravel

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ዝርከብዎም 26 ሰራሕተኛታት`ቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሓደ ቤት ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረቶም ተፈሊጡ`ሎ።

ካብ`ቶም 26፡ እቶም 22 ተታሒዞም ከምዝርከቡ ዝገለጸ ፈደራል ዓቃቢ-ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣቶ ኣጽብሃ ግደይ፡ ኣቶ ኣሰፋ በላይን ኣቶ ሽሻይ ልኡልን ኣብ ዘይተረኸብሉ፡ መዝገብ ክሲ ተኸፊትሎም ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋን ካልኦትን ተመስሪቱ ዘሎ ክስታት፡ ስልጣንካ ብዘይ ኣግባብ ምጥቃምን ብኸቢድ ብልሽውናን ዝብል`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ዝርከብዎም 26 ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነት ዝነበሩ፡ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ተመስሪትዎም