ኣትሌታት ዞባ ማእከል ኣብ መጻረዪ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ መሮር 2020 ተዓዊቶም

ኣብ 2020 ኣብ ቶጎ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ መሮር ዝሳተፉ ኣሌለታት ንምምራጽ ፡ሰንበት 12 ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ውድድር፡ኣትሌታት ዞባ ማእከል ሓሙሽተ ዋናጩ ብምዕታር ብጸብለልታ ተዓዊቶም ።ኣብቲ ውድድር ካብ 1ይ-6ይ ደረጃ ዝሓዙ ተወዳደርቲ ንኤርትራ ወኪሎም ከምዝወዳደሩ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ኤርትራ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።