አዲስ አበባ —
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ "ሕጋዊ`ዩ" ኢሉ።
ሙሳ ፋቂ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ክዛረብ ከሎ፥ "ንናይ`ታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ከምኡ`ውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምኽባር ዝተወስደ ቆራጽ ስጉምቲ`ዩ" ኢሉ።
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዘስምዖ ቃል "ከም ዲፕሎማሲያዊ ዓወት`ዩ ዝቑጸር" ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ እቲ መርገጺ ናይ ኢጋድ ኮነ ናይቲ ሕብረት ኣባላት መርገጺ`ዩ ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፥ሓባራዊ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንዝተፈጥረ ግጭት ንምርኣይ ከምዝዘራረብ ተሓቢሩ`ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5