ኣብ1967 ምስ ተኸፍተ ገና ዘይተዓጽወ ማዕጾ ስደት ኤርትራውያን

Your browser doesn’t support HTML5

ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት (18 ታሓሳስ) ሎሚ ከኣ ኣብ ዓውዲ ጉዳይ ስደተኛታት ነዊሕ ዓመታት መጽናዕቲ ዘካየደ ፕሮፈሰር ጋይም ክብርኣብ ካብ ሎንዶን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብ ቀረባ እዋን ጥሮታ ዝወጸ ፕሮፈሰር ጋይም ደራሲ ብዙሓት መጽሓፍቲን መጽናዕታዊ ዓንቀጻትን ኰይኑ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን ሳውዝ ባንክ (London South Bank Univeristy) ነዊሕ ዓመታት ዝመሃረን ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ መጽናዕታት ዘካየደን’ዩ።