ኣብ ፈላሞት ቐዳሞት ሰለስተ መዓልታት ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን 100,000 ሰባት ንዩክሬን ገዲፎም ወጺኦም

Your browser doesn’t support HTML5

ዋሽንግተን

ሩስያ ንዩክሬን ኣብ ዝወረረትሉ ናይ መጀመርታ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 100,000 ህዝቢ ብምዕራባዊ ዶብ ዩክሬን አቢሎም ካብታ ሃገር ወፂኦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ዩክሬን ኣብ ለካቲት 27,2022 ጥራሕ ልዕሊ 120,000 ህዝቢ ካብቲ ዓውደ ኲናት ምውሓዞም ይገልጽ ።

ኣብ ምዕራባዊ ዩክሬን እትርከብ ሺሃኒ እትበሃል ገጠር:ናብ ዶብ ፖላንድ ንምስጋር እቲ ናይ መወዳእታ ብመኪና ዝኽየድ መገዲ ዘብቀዐላ እያ ። ካብኡ ንደሓር ንዶብ ፖላንድ ንምብጻሕ ከባቢ 30 ኪሎ.ሜትሮ ዝከውን ይተርፎ። እቶም ካብ ዩክሬን ክወፁ ንዝወሰኑ ሰባት ክልተ ኣማራፅታት ኣለዎም ። ኣብ መኪነኦም ኮፍ ኢሎም ተራኦም ስጋብ ዝበፅሕ ምፅባይ ወይ'ውን ብእግሮም ምስጋር ።