ዋሽንግተን —
ኣብ ጥቓ ናይ ግብፂ ጊዛ ፒራሚድስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዝተፈፀመ ናይ ነታጒ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 16 ሰባት ምቑሳሎም ሰበስልጣን ፀጥታ እታ ሃገር ገሊፆም።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ግብጺ ኣብ ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ 16 ሰባት ቆሲሎም
እታ ኣውቶቡስ መብዛሕቲኦም ደቡብ ኣፍሪቃዊያን በፃሕቲ ዝርከቡዎም 28 ሰባት ፅዒና ምንባራ እቶም ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ተሳፈርቲ ንጥንቃቐ ክብሃል ኣብ ጥቕኡ ናብ ዘሎ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን እቲ ነታጒ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ መዘኽር ጉድኣት ከምዘየውረደን ሰበስልጣን ሓድግታት’ታ ሃገር ገሊፆም ኣለው።