ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝተኻየደ ራብዓይ ሱሉሳዊ ዘተ ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንራብዓይ ጊዜ ኣብ አዲስ አበባ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ኢትዮጵያ፡ግብጺንን ሱዳንን ትማሊ ሓሙስ ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ተገሊጹ። ግብጺ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘተ ክፍታሕ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ’ላ። ሚንስትሪ ማይ ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ብወገኖም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይከአለ ግብጺ ኣብ ስምምዕ ዘብጽሕ ነጥብታት ዘይምቕራባ ምኳኑ ይገልጹ።