ኣብ ጉዳይ ምዝንባል ተወለዲ ጌዶ፡ ቡርጂን ኮሬን ዝተተርጠሩ 262 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንተወለድቲ ብሄረሰባት ጌዶ፣ቡርጂን ኮሬን ካብ መነባብርኦም ክመዛበሉ ጌሮም፣ኢሰብኣዊ ገበናት እውን ፈፂሞም ብምባል ዝጠርጠሮም 262 ሰባት ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ኣበራ ቡኖ ገሊፆም። ንሶም ዝርዝር ከይዲ ከይገለፁ 89 ገበነኛታት ብምዃኖም ተፈሪዱዎም ኣሎ ኢሎም። ብተወሳኺ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ንቀሳቐስ ኣለና እውን ኢሎም።

“መርማሪ ጉጅለ ብምጥያስ ብርክት ዝበሉ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም ኣለው።ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፈ ተጠርጣሪ ኣየምልጥን።ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ናይ መጀመሪያ ጠመተና ስለዝኾነ ዋላ ሓደ ከይተረፈ ንፍርዲ ክነቕርቦም ኢና” ድሕሪ ምባል ኣቶ ኣበራ ካብዚ ብተወሳኺ ዜጋታት መሊሶም ክጣየሱ ዝተወዳደ ስራሓት ይስራሕ ከምዘሎን እንተኾነ ግን ኣብ ቀረብ ሕርሻን ካልእን ገለ ፀገማት እንተጋጠመ እውን ዝተዋደደ ስራሓት ቀፂሉ’ሎ ኢሎም ።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ኣበራ ቡኖ እቲ ከባቢ ካብ ዕጡቓት ንምፅራይ ስራሓት ይስርሑ’ዃ እንተሃለወ ሓሓሊፉ ምትንዃያት ኣሎ ኢሎም።

ካብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ኣባላት ብሄረሰብ ጌዶ፣ልዕሊ 23 ሽሕ ኮሬን ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ተወለድቲ ቡርጂ ብሄረሰብን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምዝባሎምን ተመዛበልቲ ጌዶ ብናይ መንግስቲ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ድምጺ ኣሜሪካ ምፅብፃቡ ይዝከር።