ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝተወልዱ ህጻናት: እቶም ዝነኣሱ ግዳያት ኹናት ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተጀመረ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ክልል ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ሃዲሞም ህይወቶም ከድሕኑ ብኣሻሓት ዝቁ፟ፀሩ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህፃናት ዝሓዛ ኣዴታት 'ውን ይርከበኦም ። ሰበ ስልጣንት እቲ መዓስከር ካብቲ ግዚያዊ መዓስከር ናውቲ ናብ ዝተማልእሉ መዓስከር ከዛውሩዎም እንተፈተኑ 'ውን እተን ሓራስ ኣዴታት ነቲ ገና ዘይጠንከረ ሰብነተንን ዘይደልደሉ ሕንጦያት ደቀንን ሒዘን ምንቅስቃ፟ስ ሓደገኛ ብሙዃኑ ከምዘስገአን ይዛረባ ።