ኣብ ጂግጂጋ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም

ከተማ ጂግጂጋ - ፋይል

ትማሊ ኣብ ከባቢ ከተማ ጭናክሰን ቤተክርስትያን ኣንጊሶም ናብ ጂግጂጋ ይምለሱ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ምእመናን መጥቓዕቲ ብምፍጻሙ ብዝተላዕለ ህወክት ክልተ ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

እቲ ክልል’ውን ነዚ አረጋጊጹ’ዩ ነዚ ተሓተቲ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡን ብምግላጽ ኩነታት’ታ ከተማ ናብ ንቡር ምምላሱ ሓቢሩ'ሎ።

ብካልእ ዜና ኣብ ክልተ ዞባታት ጉጂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ሓያለ ሰባት ምዝንባሎም ነበርቲ ገሊጾም ምምሕዳር’ቲ ወረዳ’ውን እቲ ጸገም ምፍጣሩ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ጂግጂጋ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም