ኣብ ዞባ ጋልምዱግ ሶማል ዝተላዕለ ግጭት 100 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ሕ/ሃ ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

v

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሶማልን ንምምሕዳር ሓደ ክልል ዝቃወሙ ዕጡቃት ብሰንኪ ዝተካየደ ውግእ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ሰበ ስልጣን ሕ/ሃ ኣፍሊጦም።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ጉርየል ጋልምዱግ ዝተወለዐ ውግእ፣ ህይወት መብዛሕተኦም ተዋጋእቲ 120 ሰባት ወሲዱ'ሎ።

እቲ ውግእ አብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን እስላማዊ ሓይልታት ኣህሉ ሱና ዋል ጀማዓን እዩ ተኻይዱ።

ወኪል ሕ/ሃ ኣብ ሶማል ጀምስ ስዋን እቲ ውግእ ደው ንክብል ጸዊዑ’ሎ። ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ሶማል መሓመድ ኣዮያ ብወገኑ "ትካላት ረድኤት፣ ኣብ’ቲ ውግእ ይካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ናብ ዘሎ ህዝቢ ረድኤት ምቅራብ ብድሆ ኮይኑዎም ከምዘሎ" ይሕብር።