ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ንመጥቃዕቲ ህወሓት ዝኹንን ሰልፍታት ተካይዱ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ንመጥቃዕቲ ህወሓት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ክካየድ ውዒሉ።

ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ 11 ዞናትን ኣብ ሽዱሽቲኣን ን ከተማታትን፥ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ እዚ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝኹንን ሰልፍታት ተኻይዱ።

ህወሓት ካብ ኩሎም ብሄረሰባት ብዝተፈለየ ኣብ ልዕሊ ሶማሌ ግፍዒ ፈጺሙ'ዩ ዝበሉ መራሕቲ'ቲ ክልል ፥ ሕጂ ግን ንኣመራርሓ ህወሓት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዝጀመርናዮ ስራሕ ክንደፍኣሉ ኢና ኢሎም።

ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ'ውን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ዝትኻየደ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 150 ከብቲ ንሰራዊት ምክልኻል ኣበርኪቶም ምብርካቶም'ውን ተገሊጹ።

ተመሳሳሊ ሰልፍታት`ውን ኣብ ክልላት ኦሮሚያ ክልል ሲዳማን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ናይ ድጋፍ ሰልፍታት ምክያዱ ካብ ወኪላት ድምጺ ኣሜሪካ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።