ዋሽንግተን —
ወታሃደራት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሞስኮ፣ሰይንት ፒተርስበርግ፣የካተሪንበርግን ካልኦት ከተማታትን ሩሲያ ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም።
ሰልፈኛታት ‘’ኩናት ኣየድልን’’ ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ኣንፃር ሩሲያ ድምፆም ኣስሚዖም።
ኣብ ከተማታት ሞስኮን ሰይንት ፒተርስበርግን ፖሊስ ብሓይሊ ብምእታው ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ኣሲሩ ኣሎ።
ካብ ዋና ከተማ ሞስኮ 1,700 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ የካተሪንበርግ ሰልፈኛታት "ኵናት ኣይንደልን’’ "ፑቲን ይውረድ" ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ድምፆም ዘስምዑ ክኾኑ ከለው ፖሊስ ኣብዚ እውን ንሰባት ኣሲሩ ኣሎ።
ኣብ ዋና ከተማ ሃንጋሪ ቡዳፐስት ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣብ ፊት ንፊት ኤምባሲ ሩሲያ ድምፆም ኣስሚዖም።
ኣብ ዋና ከተማታት ቦስኒያን ሄርዞጎቪኒያን፣ሰርቭያ፣ኣብ ሜልበርን ኣውስትራሊያ ንሩሲያ ብምቅዋምን ንዩክሬን ዘለዎም ደገፍን ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።