ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ክልል ትግራይ ናይ ቴሌኮም ኣገልግሎት ዳግማይ ምጅማሩ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ክልል ትግራይ ናይ ቴሌኮም ኣገልግሎት እንደገና ከምዝጀመረ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴለኮም ፍረሂወት ታምሩ ነቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ብምዕራይን ዳግም ብምትካልን ከምኡ'ውን ኣማራጽታትን ቀረባት ሓይሊን ኣብ ምጥቃም ከምዝኾኑ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።

ሑመራን ሽራሮን ዝርከብአን ገለ ከተማታት ብኸፊል፡ ኣብ ኣላማጣ ግን ምሉእ ንምሉእ ኣገልግሎት ምጅማሩ'ውን ጠቒሳ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴለኮም ናይ መቐለ ቴሌኮም ትሕተ ቕርጺ ምጉድኡን ዘይምጉድኡን ዘጻሪ ጉጅለ ተላኢኹ ከምዘሎ ድማ ወሲኻ ሓቢራ'ላ ።