ኣብ ወረዳ ጊምቢ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 338 ሰባት ምቕታሎም ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣፍሊጡ

ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ 338 ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብ ክልል ኦሮሚያ ሓበሬታ ከምዝበፅሐን ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

በቲ መጥቓዕቲ ሓዘነን ዝገለፃ ቢልለኔ ሰላምን ፀጥታን ቁልፍን ቀዳሚን ኣጀንዳ መንግስቲ ምዃኑ ሓቢረን።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ናይ ሰላም መስርሕ ድልው'ዩ ኢለን።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብናይ ኬንያ ኣካቢነትን እንግዶትን ንዝካየድ ዝርርብ ዝለዓለ ልኡኽ ጉጅለ ንምልኣኽ ድልዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ዩ።ብዛዕባ እዚ ዝተሓተታ እተን ወሃቢት ቃል ፕረዚደንት ኬንያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ፃዕሪ ሰላም ይድግፉ እዮም ኢለን።