ኣብ ወረዳ ደራሼ ብዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ጸገም መንገዲታት ምዕጻውን መጉዓዝያ ምትዕንቓፉን ነበርቲ ገሊጾም

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ወረዳ ደራሼን ከባቢኡን ዝተፈጠረ ጸገም ጸጥታ ተጋዲዱ፣ መገዲታት ምዕጻውን፣ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ተዓናቒፉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ነበርቲ "ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ንኹሉ ብጅምላ ይኣስሩ ስለዘለው፣ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንበረኻ ይሃድሙ ኣለው" ኢሎም።

ነዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይቀርብ ዘሎ ነቀፌታ ኣመልኪቱ፣ ካብ ክልላዊ ይኹን ጊዚያዊ ወትሃደራዊ ኮማንድ ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ የለን ።