ኣብ ወሎ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞ ተማሃሮ ዝነበረ ግጭት ብዕርቂ ተፈቲሑ

ኣብቲ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ወሎ ዩኒቨርሲቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ዝተኻየደ ናይ ዕርቂ ስነ ስርዓት ኣዴታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓብይ ተራ ምጽዋቶም ዝተገልጸ ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዕግርግር ንምፍጣር ዝሰርሑ አካላት መንግስቲ ክገትዕ ጻወዒት ቐሪቡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ንግዚኡ ምክንያት’ቲ ግጭት ኣይፈልጥን ዝበለ ኮይኑ ብሰንኪ ብዝተፈጥረ ግጭት መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ንሓደ ሰሙን ምቁራጹ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ግጭት ምስ ተፈጥረ ንዝተጎድኡ ብምክንካን: ኣብ ስግኣት ዝነበሩ ኣብ ምብርታዕ: ካብ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝወጹ ድማ ኣብ ምትእንጋድ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክካየዱ ምጽንሖም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ከም ውጽኢት ክካየዱ ዝጸንሑ ጻዕርታት ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ተማሃሮ ወሎ ዩኒቨርሲቲ ዝጸንሓ ግጭት ትማሊ ብዕርቂ ተፈቲሑ’ሎ።

ተማሃሮ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መርገጺ ም ብምግላጽ መንግስቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዕግርግር ንምፍጣር ዝሰርሑ አካላት ናብ ሕጊ ከቕርብ ጸዊዖም ኣለው።