ኣብ ወልቂጤ ኣብ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተላዕለ ጎነጺ 4 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም

ትማሊ ሓሙስ 15 የካቲት 2023 ኣብ ከተማ ወልቂጤ ዝስተ ማይ ክንረክብ ተፀጊምና ብዝብል ተቓውሞ ናብ ጎደናታት ዝወፁ ሰልፈኛታት ብዘይተፀበይዎ ኩነታት ንሞትን መቑሰልትን ምቕልዖም ነበርቲ እታ ኸተማ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣቶ ሙክሪም መኑር ዝተባህሉ ነባሪ ከተማ ወልቂጤ ከምዝበልዎ እቲ ህዝቢ ዝስተ ማይ ዝረኽበሉ ኩነታት ክመዓራረየሉ ካብ ምሕታት ወፃኢ ዘልዓሎ ካልእ ንመንግስቲ ኮነ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ኣቖጢዑ ጠመንጃዊ መልሲ ዘውህብ ሕቶ ኣብቲ ሰልፊ ዘይምንጽብራቑ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ካብ ፖሊስ ክልል ደቡብ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶምን ብዙሓት ድማ ምቑሳሎም ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልቂጤ ስፔሻላይዝድ ሪፌራል ሆስፒታል ሜዲካል ዳይሬክተር ዝኮኑ ሬቢል ኣሊ በቲ ዝተፈጥረ ጎንፂ ጉድኣት በፂሑዎም ናብቲ ሆስፒታል ዝመፁ 16 ሰባት ምትእንጋዶምን ካብኣቶም ክልተ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ምስ በፅሑ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ክሞቱ ከለዉ ካልኦት ክልተ ድማ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኾም ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ኣብዚ እዋን ብዘይኻ ኣርባዕተ ሰባት ካልኦት እኹል ሕክምና ተገይሩሎም ናብ ገዛውቶም ምምላሶም ገሊፆም።

ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ ትማሊ ኣብታ ከተማ ህውከት ተፈጢሩ ምንባሩ ብምርግጋፅ ነቲ ሰልፊ ምኽንያት ብምግባር ግን ዘይሕጋዊ ተግባራት ምፍፃሞም ተዛሪቦም። ነዚ ጠጠው ንምባል ብዝተገብረ ፈተነ ሂወት ሰባት ምሕላፉ’ውን ሓቢሮም።

እቲ ተቓውሞ ሎሚ’ውን ዝቐፀለ ኾይኑ ትካላት መንግስትን ውልቂን ምዕፃዎምን ደሕንነታውን ፀጥታውን ስራሕቲ ብጥሙር ኮማንድ እዝ ይምራሕ ምህላዉን እቶም ኮምሽነር ተዛሪቦም።ይኹን’ምበር ነዚ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ሓፈሻዊ ውተሃደራዊ እዚ ዘይምህላዉ ኮምሽነር ኣለማየሁ ገሊፆም።

ኣብ ደቡብ ክልል ይካየድ ምስ ዘሎ ምስረታ ክልል ኣወዳድማን ተተሓሒዙ ጉራጌ፣ ንቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሓዊሱ ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ዘይኮነስ ንርእሳ ዝኸኣለት ውዳበ ምስ ምሕታት ተተሓሒዙ ቅድም ኢሎም ይለዓሉ ምስ ዝነበሩ ሕቶታት ተተሓሒዙ ብፍላይ ከተማ ወልቂጤ ሙሉእ ሰላም ከምዘይነበራ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ይሕብር።