ኣብ ኲናት የመን ተቐርቂሮም ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኲናት የመን ተቐርቂሮም ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት

ሶማልያዊ ስደተኛ ባድር ሓሰን ንኣስታት 30 ዓመታት ዝሓሸ ናብራ ንምምራሕ ኣብ ዝተሰደደላ የመን ክነብር ዝጸንሓ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ድማ ኲናትን ድኽነት እንተተራእየ’ውን ዝሓሸ ግዜ ክመጽእ እንዳተጸበየ ኣብታ ሃገር ክነብር ጸኒሑ።

እንተኾነ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስኮሮና ነቲ ኣጸጋሚ ናብራ የመን ዝያዳ ከምዝሓላለኾ ብምሕባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ሃገሩ ክምለስ ከምዝደልይ ይገልጽ ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 80 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ የመን ኣስታት 280,000 ስደተኛታት ይነብሩ ።

ብተወሳኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ኣስታት 100,000 ፍልሰተኛታት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ንምእታው የመን ይበጽሑ ።

ንሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝቆጻጸሩ ተቓወምቲ ሑቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዘ ሶማልያዊ ኣብ ሆቴሉ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ድሕሪ ምሕባሮም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ግድያት ኣድልዎን ጽልኣትን ኮይኖም ኣለው ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣስታት 1,300 ስደተኛታት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሮም ብዙሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት ናብ ዘይብሎም ቦታታት ክግዕዙ ምግዳዶም ይሕብር ።