ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ብዛዕባ ኩነታቶም ይዛረቡ

  • ገብረ ገብረመድህን

ክልል ዓፋር -ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ

ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተታሒዞም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝተወሰኑ ምምሕያሻት እንተርኣዩ እውን ሕዚ እውን ብሰንኪ ዝለዓለ ሙቐት ኣዴታትን ህፃናትን ንሕማም ይቓልዑ ምህላዎምን ሰባት ይሞቱ ምህላዎምን ኣፍሊጦም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ብመንነቶም ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተታሒዞም ክብል ዝገለፆም ዓሰርተታት ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ክፈትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ክገብር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።ርእይቶታት ፌደራልን ክልል ንምርካብ ዝገበረና ፈተነ ኣይሰለጠን።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ብዛዕባ ኩነታቶም ይዛረቡ

ቅድሚ ኣስታት ሓደ ወርሒ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ ፀብፃብ ድሕሪ ምቕራቡ ዝተወሰኑ ምምሓያሻት ምርኣዮም ካብ ኣብዓላ ተሓፊሶም ኣብ ከተማ ሰመራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ሰባት ይዛረቡ።ንደሕንነቶም ስለዝሰግኡ ሽሞም ክንገልፆ ኣይደለዩን፣ድምፆም'ውን ለዊጥናዮ ኣለና።

ካብቲ ቦታ ወፃኢ ከምዝደለይዎ ምንቅስቓስ ከምዘይኽእሉ ዝዛረቡ ንሳቶም ንዓጀብቶም እናኸፈሉ ናብ ባንኪ ይውሰዱ ዝነበሩዎ ተለዊጡ ንዝተወሰነ ስዓት ክወፁ ከምዝተፈቐደሎምን ስማርት ፎን ዘይኮነ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ምሓዝ እውን ከምዝተፈቐደን ይገልፁ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ካምፕ ብሓፁር ተኸፊሉ ሰብ ሓዳር ክራኸቡ ኣይፍቀድን ይብሉ።

ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክስን ፍርድን ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ምፅንሖም ከይኣክል ናይቲ ክልል መንግስቲ "ዘፃሪዮም ስለዘለኒ ገና ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፀንሑ እዮም" ምባሉ ተወሳኺ ጭንቀት ከምዝፈጠረሎም ይገልፁ።ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን መጠን ሙቐቱ ካብ 41 ክሳብ 43 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ወይ ልዕሊ 100 ዲግሪ ፈራናሃይት ኣብ ዝኾነሉ ኣዚዩ ከቢድ ሙቐት ንምፅናሕ ኣፀጋሚ ከምዝኾኖም ይዛረቡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ክልል ዓፋር መሓመድ ሑሴን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መንበሪኦም ንክምለሱ ንሰርሕ ኣለና ምስ በሉ ዝወስደሎም ግዜ ብዝምልከት ግን ከምዚ ኢሎም።

"ንሕና ሕዚ ብዝሓዝናዮ መደብ መሰረት ኣብ ውሽጢ ክልተ፣ ሰለስተ ኣዋርሕ እቶም ሰባት ናብ መንበሪኦም ክምለሱ እዮም ዝብል ናይ ሓባር መደብ ምስ ተወከልቲ ሕቡራት ሃገራት ሒዝና ኣለና።"

ናይቲ ክልል መንግስቲ ነዞም 7,800 ሰባት እዮም ዝበሎም ተወለድቲ ትግራይ እሱራት ኣይኮኑን፣ንድሕንነቶም ካብ መጥቓዕቲ ንምክልኻል ሓለዋ ይግበረሎም ዘለው ተመዛበልቲ እዮም ይብሎም።ዘዘራረብናዮም ግን እዚ ትኽክል ኣይኮነን ብመን ኢናኸ ንጥቃዕ ኢሎም ይሓቱ።ዝምልከቶ ኣካል ናብ መንበሪኦም ክመልሶም እውን ይምሕፀኑ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ኩነታት ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራን ኣጋቲናን ኣብ ካምፕ ተታሒዞም ዝርከቡ ሰባት ብሽም መዕቖቢ ዝተፈፀመ መንነት ብሄር መሰረት ዝገበረ ዘይሕጋዊን ብሃበ ተረኽበ ዝተፈፀመ ጃምላዊ ማእሰርቲን ስለዝኾነ ብህፁፅ ክፍትሑ ይግባእ፤ናብ መንበሪ ከባቢኦም ክሳብ ዝምለሱ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ካምፕ ክፀንሑ ዝደልዩ እንተሃልዮም ብምሉእ ድለየቶምን ብዘይዝኾነ ይኹን ናይ ምንቅስቓስ እገዳን ክኸውን ይግባእ’’ ኢሎም።

ስኣን ሕክምና ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም 76 ሰባት ምሟቶም እቶም እሱራት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ተዛሪቦም ነይሮም።ሕዚ ብዝሒ መወቲ ልዕሊ 80 በፂሑ ኣሎ ይብሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቁፀሮም ከይገለፀ ዝሞቱ ሰባት ከምዘለው ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ኣሎ።ኣብቲ ኮሚሽን ዳይረክተር ምርመራን ክትትልን ሰብኣዊ መሰላት ክልል ዓፋር ዝኾነት ወይዘሮ ሰላማዊት ግርማይ ቤት ፅሕፈታ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን በዝሒ ዝሞቱ፣ኩነታት ኣማውትኦምን ካልእን ከፃሪ ናብቲ ቦታ ዝተልኣኸ ጉጅለ ስርሑ ምስወድአ ክግለፅ እዩ ኢላ።

ብዛዕባ ዝሞቱ ሰባት ካብ ሰበስልጣን ክልል ዓፋር ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ሕግን ዓለምለኸ ሕግን ግቡኡ ብምውፃእ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ "መዳጎኒ ካምፕታት’’ኢሉ ኣብ ዝፀውዖም ኣብያተ ማእሰርቲ ይማስኑ ዘለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ክፈትሕ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 27 ሰነ 2014 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፀዊዑ።

ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምርካብ ናብ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ፍትሒ ኣቶ ኣወል ሱልጣንን ወሃቢ ቃል ፌደራል ፖሊስ ጀይላን ኣብዲን ስልኪ ደዊልና ኣይተልዓለን።ርእይቶታቶም ምስረኸብና ክነቕርቦ ኢና።