ኣብ ክልል ኦሮምያ  ንቀ/ሚ ኣብይ​ን ፓርቲ ብልጽግናን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ​

ንቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ፓርቲ ብልጽግናን ዝድግፉ ሰልፊታት ኣብ ከተማታት ኦሮምያ ከምዝተካየዱ ተገሊጹ። ኣብ’ቶም ሰልፊታት "ጸላእቲ ኢትዮጵያ ዝተባሃሉ መልሲ ሂቦም ኣለው።"

እቶም ትማሊ ዝዋዓሉ ሰልፊታት፣ ኣብ ሸዋ፣ ወለጋ፣ ምዕራብ አርሲ፣ ሃረርጌ ባሌን ጂማን እዮም ተካይዶም።

ኣብ ኣዳማ ናብ ሰልፊ ንዝወጹ መደረ ዘስምዑ ኣማሓዳሪ ምብራቅ ሸዋ ኣቶ ሃለካ ሲንቢሮ ብሽም ዝጠቀስዎ ባልደራስ ለእውነተኛ ዴሞክራሲ’ዩ።

ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ጌታነህ ባልቻ "እቲ ክሲ ካብ ኢህወዴግ ዝተወረሰ ኣካይዳን ንከይዲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ዘይጠቅምን" ክብል ነጺግዎ ይብል ወኪልና ጀማል ሙኽታር ዝላኣኾ ሪፖርት።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ኦነግ ኮሎኔል ገመቹ ኣያና፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይወርደና ኣሎ ንዝበልዎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ንቤት ፍርዲ ገሊጾም።

ኮሎኔል ገመቹ ዓሚ ብሽብር ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ነይሮም፣ እንተኾነ ከይዲ ሙግት ተቋሪጹ ክፍትሑ ተገይሩ ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ ቅንጸላ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝሳዓበ ዕግርግርን ተኣሲሮም እንደገና ብሽብር ተኸሲሶም ተኣሲሮም ይርከቡ።

ብተመሳሳሊ፣ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ኣቶ ኣብዲ ረጋሳ ቅድሚ 5 ዓመታት ምስ ህወሓት ርክብ ነይርዎም ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ጠበቀኦም ገሊጾም ይብል ሪፖርት ጸሃይ ዳምጠው።