‘ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ ሓደስቲ ተማሃሮ ንጉድኣት ዘቓሎዖም ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ደሕንነት የለን’ ም/ፕረ ወሎ ዩኒቨርስቲ

ካብ ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ንምቕጻል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ ሓደስቲ ተማሃሮ ንጉድኣት ዘቓልዖም ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ደሕንነት የለን፡ ተማሃሮ ንምትእንጋድ’ውን ዩኒቨርሲቲታት ወሎን ደብረብርሃንን ድልዋት እዮም ክብሉ ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ወሎ ኣፍሊጦም።

ንሶም ወሲኾም ክልቲኣን ዩኒቨርሲቲታት ካብ ክልል ትግራይ ንዝተመደቡ ተማሃሮ ይቕበሉ ምህላዎም’ውን ገሊጾም ኣለው።

ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ ሓደስቲ ተማሃሮ ናብቲ ክልል ኣይልእኽን ምባሉ ክልል ኣምሓራ ስግኣት ደሕንነት ከምዘሎ ኣምሲልካ ምቅራቡ ምክንያታዊ ኣይኮነን ክብሉ እውን ምክትል ፕረዚደንት ወሎ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር መንገሻ ኣየለ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

‘ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ ሓደስቲ ተማሃሮ ንጉድኣት ዘቓሎዖም ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ደሕንነት የለን’ ም/ፕረ ወሎ ዩኒቨርስቲ