'ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ግጭት ንህጻናት ኣጨናቒ ኮይኑ'ሎ' ክብላ ናይ ሕ/ሃ ትካል ህጻናት ኣድሕን ዳይረክተር ገሊጸን

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕን (UNICEF ) ኣብ ክልል ትግራይ ንኣስታት 12 ሰሙናት ዝተኻየደ ግጭት ንህጻናት ኣዚዩ ኣጨናቒ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ ኢሉ። ፈፃሚት ዳይረክተር'ቲ ትካል ሄንሪየታ ፎሬ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ "ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዘሕደሮ ዘሎ ፅልዋ ካብ ውሱናት ዝኾኑ መሻርኽትናን ዳህሳስ ሕቡራት ሃገራትን ዝረኸብናዮ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ’’ኢለን።

"ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ክታበት ደው ኢሉ። ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ናይ ስቪል መሰረተ ልምዓት ተጎዲኦም ወይ ዓኒዮም ናውቶም ተሰሪቖም’’ ዝበለ መግለፂ ሕቡራትሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕን ብምስዓብ" ማይን ስርዓታት ፅርየትን ክሰርሑ ነዳዲ ዳርጋ የለን’' ኢሉ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ ድሕሪ እገዳ ኮቪድ-19 ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋል ኢትዮጵያ ቆልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተተመለሱ እውን ኣብ ክልል ትግራይ 1.3 ሚሊዮን ቆልዑ ናብ መአዲ ትምህርቲ ኣይተመለሱን ይብል ።

አላይ ዘይብሎም 300 ቆልዑ ናብ ሱዳን ምህዳሞም እውን ወሲኹ ገሊፁ።ኣብ ሽረ ብከቢድ ሕጽረት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ዘለው ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብምግላፅ ብሓፈሻ ህይወት ኣስታት 70,000 ህፃናት ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ገሊፁ ኣሎ።

ንሰን ኣብ ኣብ መግለፂአን "ንሕና ንፈልጦ ሓደ ነገር ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ንፅበያ ዘለና ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ህፃናት ስቓይ ተጋድድ ምዃና እዩ’’ ኢለን ።