ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ መስመር ቴሌፎን ከምዝተዓረየ፡ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ሓቢራ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ መስመር ቴሌፎን ከምዝተዓረየ፡ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍረሂወት ታምሩ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።

እቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተቛሪጹ ዝነበረ መስመር ተዓርዩ`ሎ ዝበለት ፍረሂወት፡ ጠንቂ ናይቲ ምቁራጽ ኣብ መቐለ ዘሎ ፋይበር ኦፕቲክ ተጎዲኡ ስለዝጸንሐ`ዩ ኢላ።

ይኹን`ምበር ሕጂ`ውን ኣብ ምሉእ ክልል ትግራይ መስመር ቴሌፎን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ግዜ ከምዝወስድ እታ ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ሓቢራ`ላ።