ኣብ ክልል ትግራይ ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ጭካነ ብዝተመልኦ ኣገባብ ብወተሃደራት ምዕማጸን ይገልጻ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዋላ'ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት መንግስቲ ነቲ ክልል ለቂቆም ምውፀኦም እንተሓበሩ ብምኽንያት እቲ ሐጂ'ውን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቁፀራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ጭካነ ብዝተመልኦ ብወተሃደራት ከምዝተዓመፃ ፀብፃባት ይሕብሩ ። ነቲ ዝበፀሐን በደል ደፊረን ንደገ ወፂኤን ዝተዛረባ ምስቲ ግፍዕን መከራን ዝወረደን ክነፃፀራ ከለዋ እዚ እቲ ዝዋሓደ  ምኳኑ ይዛረቡ ።