ኣብ ኬንያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ም/ፕረዚደንት ክትምረጽ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኬንያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ም/ፕረዚደንት ክትምረጽ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ

ኬንያ ኣብ እተካይዶ ሃገራዊ ምርጫ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል ክትመርጽ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ኣብ ኬንያ ዝካየድ ምርጫ ካብ ዝወዳደሩ ኣርባዕተ ተነሓናሕቲ ንራይላ ኦዲንጋ ሓዊሱ እቶም ሰለስተ ሕፁያት መሳርሕቶም ደቂ ኣንስትዮ ዝገበሩ እዮም። እዚ ምርጫ ኣብ ሃገራዊ ታሪኽ ፖለቲካ ኬንያ ለውጢ ዘምፅእ ክኸውን ይኽእል እዩ'ውን ተባሂሉ'ሎ ። ደቂ አንስቲዮ ፖለቲከኛታት ግን ናብዚ ታሪኻዊ መቀ፟ይሮ ንምብፃሕ ቀሊል ዘይምንባሩ እየን ዝገልፃ ።

ተንበይቲ ምርጫ ቀዳማይ ሚንስተር ነበር ራይላ ኦዲንጋን መሳርሕቶም ሚኒስትር ፍትሒ ነበር ማርታ ካሩዋ ነቲ ሒደት መዓልታት ዝተረፎ ምርጫ ይምርሕዎ ምህላዎም እዩ ይሕብሩ።