ኣብ ከተማታት ሱዳን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱምን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ሎሚ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ከምዘሎም ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ከተማ ካርቱም ሓደ ድማ ኣብ ዳርፉር ምሟቶም ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ንፓርላማ’ታ ሃገር ሓቢሩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ከተማታት ሱዳን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ቢሽራ ጁምዓ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ካልኦት 15 ሲቪል ሰባትን 42 አባላት ሓይልታት ጸጥታ ምቁሳሎም ከምኡ’ውን 2.496 ካብ ሰልፈኛታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ብወገኖም ሓይልታት ጸጥታ ብፍላይ ድማ አባላት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይትን ምትኳሶም ይገልጹ ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ ምክልካል ከተማ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወታሃደራት ንሰልፈኛታት ክከላኸሉ ከምዝተራእዩ ይግለጽ ኣሎ።