ናብ ስሩዕ መነብባርኦም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ ዝገለፁ ነበርቲ ከተማ ጂግጂጋ መንግስቲ ፀገሞም ክፈትሐሎም ሓቲቶም።ኩነታት ፀጥታ ንምምሕያሽ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ዝገለፀ ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኩነታት ይመሓየሹ ኣለው ክብል ገሊፁ።እስክንድር ፍሬው ዝለኣኾ ፀብፃብ ገብረ ገብረመድህን ከቕርቦ እዩ።
ኣብ ጂግጂጋ ብሰንኪ ዘጋጥመ ህውከትን ዕግርግርን ግዳያት ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ይገልፁ።ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ዕቑባ ናብ ገዛውቶም ከምዝተመልሱ ዝገለፀ ሓደ መራሒ ስድራ ሰለስተ ባጃጅ ተወሲዶምኒ ይብል።
“ክርቢት እውን ኣይገደፉለይን፤ሰለስተ ባጃጃት ነይረናኒ።ካብ ሰለስቲአን ዋላ ሓንቲ እውን ኣይገደፉለይን።”መብዛሕትኡ ነባሪ ከተማ ጂግጂጋ ብናይ ባዕሉ ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ከምዝናበር ዝገለፀ እዚ ነባሪ ሕዚ እዚ ኹሉ ሰብ ንብረቱ ተዘሪፉ ዝስርሖ የብሉን ይብል።
ሕዚ ስራሕ ስሪሑ ዝብሃል ነገር የለን።ንሰርሖ የብልና፣በየናይ ንስራሕ?ናይ ውልቂ ስራሕትና ተዘሪፉ፣እንታይ እዩ እቲ መፍትሒ?ሎሚ ዝኸውን ዘሎ ክነግረኩም።ናይ ሓበሻ ህዝቢ ናብ ሃረር ይውሕዝ እዩ ዘሎ፤ይስደድ ኣሎ።እቲ ሰብ ንቆልዓ ሰበይቲ እናልኣኸ እዩ።…ስለዚ መንግስቲ ገለ መፍትሒ ክገብር ኣለዎ ኢሉ።
ንሱ ዝተዘረፉ ንብረታት ፈቐዶ መንገዲ ተደርቢዮም ከምዝርከቡ እውን ይገልፅ።
“ዝተዘረፉ ንብረታት ፈቖዶ ቦታ ኣሎ፤መካይና ፈቖዶ ደው ኢለን ኣለዋ።ተሰባቢረን፣ጎማታተን ተወሲዱ፣ሞተር ወሪዱ፣ሓሪረን ኣለዋ።…ሕዚ ዘተሓሳበና ዘሎ ድሕሪ ሕዚ ሰላምና ከመይ ክረጋገፅ ይኽእል ዝብል እዩ።ንሕና ኣብዚ ንኽነብር እንታይ ውሕስነት ኣለና ዝብል እዩ እቲ ሕቶ ይብል።”
ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ እውን መንግስቲ ንዝወረዶም ፀገም እኹል ጠመተ ኣይሃበሉን ኢሎም ኣለው።
ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኩነታት ፀጥታ ጂግጂጋ ንምምሕያሽ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ’ሎ።ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሜጄር ጀነራል መሃመድ ተሰማ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ከምዚ ኢሎም።
“ ኣብ ጂግጂጋ ኣብ ቀንዲ መስመራት ሓሊፉ ምንቅስቓስ ባጃጅ ምጅማረንን ኣብ መስመር ዝርከቡ ሹቓት ስራሕ ጀሚሮምን ኣለው።ካልኦት ናይ መንግስትን ሕብረተሰብ ዝጥቀመሎም ትካላትን እውን ንክኽፈቱ ፃዕርታት ይግበሩ ኣለው።”
ናይ ሕክምና፣ቀረብ መግብን ናይ ትራንስፖርት ምንቅስቓሳትን ናብ ስሩዕ ክምለሱ ስርሓት እናተሰርሑ እዮም ኢሎም።
ካብ ከተማ ጂግጂጋ ብተወሳኺ ኣብ ደጋሃቡር፣ቀብሪድሃርን ካልኦት ከተማታትን ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ምእታው ዝገለፁ እዞም ወሃቢ ቃል ናይ ምርግጋእ ስራሕ እናሰርሐ እዩ ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5