ኣብ ከተማ ደሴ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቑቦም ዘለው ተመዛበልቲ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ከተማ ደሴ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ዝርከባ መባእታ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኲናት ካብ መነባብሮኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት መዕቖቢ ኮይነን ኣለዋ:: እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተሓጺሩ ዝጸንሓ ኲናት'ውን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓኹ ኤኤፍፒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር:: ኤኤፍ ፒ እቶም ተመዛበልቲ ተዓቑቦምሉ ዘለው ቦታ ብምብጻሕ ነዚ ምስሊ ሰኒዱ'ሎ::