ኣብ ከተማ ወልቅጤ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣድማ ምቕጻሉ ነበርቲ ይገልጹ

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቅጤ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣድማ ምቕጻሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጹ`ለዉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ጸገማት ዝስተ ማይ ንክፍታሓሎም ሰላማዊ ሰልፊ ካብ መንጎ ዝወጹ ሰባት ገለ ከም ዝተቐትሉ ተጸብጺቡ ኔሩ`ዩ። በዚ ናይ ሎሚ ኣድማ ባንክታትን፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ብሕትን ምዕጻዉ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ኣድማ እቶም ቀተልቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ቤተሰብ ግዳያት ካሕሳ ክኽፈሉን ድፍኢት ንምግባር ምዃኑን እቶም ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ፡ ነታ ከተማ ናብ ንቡር ንምምላስ ይጽዕር ምህላዉን፡ ረብሻ ኣልዒሎም ዝበሎም 15 ሰባት ምእሳሩን ኣፍሊጡ`ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣድመኛታት ዝወሰዶ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ግቡእ ከምዘይነበረን ተሓተቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ፖሊስ ብወገኑ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝተኸተለ ይማጎት።

ነበርቲ ወልቂጤ ብወገኖም፡ ዝስተ ማይ ካብ ምሕታት ወጻኢ ንፖሊስ ከቖጥዕ ዝኽእል ነገር ከም ዘይገበሩ ይገልጹ።