ኣብ ከተማ ካይሮ ግብጺ ኣብ መዋፈሪ ባቡር ብዘጋጠመ ሓደጋ 20 ሰባት ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ከተማ ካይሮ ግብጺ ኣብ መዋፈሪ ባቡር ብዘጋጠመ ሓደጋ 20 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ኣብ መዋፈሪ ባቡር ብዘጋጠመ ሓደጋ 20 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 40 ምቁሳሎም መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ሓቢሮም ኣለው። እቲ ሓደጋ ባቡር ባርዕ ሓዊ ምልዓሉ’ውን ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ራመሲስ ዝተባህለ መዋፈሪ ባቡር ዘጋጠመ ሓደጋ ዝፈጥሮ ባርዕ ሓዊ ኣብ ተሳፈርቲን ኣብ መዋፈሪ ዝነበሩ ሰባትን ጉድኣት ምብጽሑ ተገሊጹ’ሎ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብዙሓት ካብቶም ዝቖሰሉ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርኸቡ ሓቢሮም ኣለው።

ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝበጽሑ ቀዳማይ ሚንስትር’ታ ሃገር ሙስጠፋ ማድቦሊ ጠንቂ’ታ ሓደጋ ንምጽራይ ጻዕርታት ይካየድ ምህላው ገሊጾም።