ኣብ ከተማ ካይሮ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ ሰለስተ አባላት ፖሊስ ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ከተማ ካይሮ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ ሰለስተ አባላት ፖሊስ ሞይቶም

ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ነታጒ ዝሓዘ ውልቀሰብ ካብ ፖሊስ ይሃድም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘጋጠመ ፍንጀራ ሰለስተ አባላት ፖሊስ ሞሟቶም፡ሓሙሽተ ካልኦት ሰባት ድማ ምቁሳሎም ተገሊጹ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ግብጺ ብፍንጀራ’ቲ ነታጒ ክልተ አባላት ፖሊስ ክሞቱ ከለው ሰለስተ ካልኦት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው።ይኹን ደአ እምበር ገለ መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ሎሚ ንግሆ ሳልሳይ አባል ፖሊስ ኣብ ሆስፒታል ምሟቱ ይገልጹ ኣለው።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሳልሳይ መጥቕዕቲ ምኻኑ ይፈልጥ።