ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም

Your browser doesn’t support HTML5

ፖሊስ ሱዳን ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብታ መላእ’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይት ንሰማይ ምትኳሶም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሰለስተ ሰባት ምቁሳሎም’ውን ሓቢሮም ኣለው።