መወሸቢ ይኹን መመርመሪ ቫይረስኮሮና ከተማ ባህርዳር ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘየለ ሰብ ሞያ ሕክምና ገሊፆም

ኣብ ዋና ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር ዝርከብ መወሸቢ ይኹን መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና መሳርሒ ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘየለ ሰብ ሞያ ሕክምና ገሊፆም። ብተወሳኺ ሰብሞያ ጥዕና ንርእሶም ዝከላኸልሉ ናውትን ካልኦት ቀረባትን ብእኹል ኣይቐርብን ዘሎ ኢሎም።

ናይ ክልል ኣምሓራ ኢንስቲቲዩት ሕብረተሰብ ሳይንስ ናይ ቫይረስ ኮሮና መመርመሪ መሳርሒ ብሰንኪ ፅበት ቦታ ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘየለ ገሊፁ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ናይቲ ክልል ዶክተር መልካሙ ኣብቴ እቲ ፀገም ኣብ ከይዲ ክፍታሕ እዩ ኢሎም ኣለው።እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ጎንደር ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ምጅማሩ ተሓቢሩ'ሎ።